Saturday , August 13 2022

Global Yiakl FAQ

ምንቅስቓስ ይኣክል ወግዓዊ ስሙ እንታይ ኢዩ፧ መዓስከ ተመስሪቱ፧

እዚ ምንቅስቓስ ብዝተፈላለየ ሃገራትን ከተማታትን ነናቱ መጸውዒ ስም’ኳ እንተሃለዎ፡ ዳርጋ ኣብ ኩለን ሃገራትን ከተማታትን ግን እታ “ይኣክል” ትብል ቃል ከም ኣርማ ደሚቓ ትርከብ። እቲ ብዓለም ደረጃ ዝተጠርነፈ ባይቶ ግን ብ”ዓለም-ለኻዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል” ኢዩ ዝፍለጥ። ብዙሓት ሰባት ከኣ ብሓጺር “ይኣክል”ኢሎም ይጽውዕዎ። እዚ ምንቅስቓስ ብከተማ ደረጃ ብ2019 ኢዩ ክተኣኻኸብ ጀሚሩ። ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመታት ኣኼባታትን ሓድሕድ ምርድዳእን ከቢድ ጻዕርን ግን ኣብቲ ካብ 30 ሓምለ ክሳብ 1 ነሓሴ 2021፡ ዘቃነዖ ጉባኤ ወግዓውነት ለቢሱ ኢዩ። 

ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ብመን ዝቖመ ኢዩ፧

ኩለን ኣባል ከተማታት ነናይ ገዛእ ርእሰን ብህዝቢ ዝተመርጹ ኣባላት ባይቶታት ኣለወን። ቁጽሪ ኣባላት ባይቶታት ካብ ከተማ ናብ ከተማ ይፈላለ ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ ከተማ ከኣ ብኣኣ ብዝተወሰነ ቁጽሪ ወከልታ ናብ ሃገራ ትልእኽ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ብወከልቲ ከተማታት ዝቖመ ባይቶታት ኣሎ። እዘን ሃገራት ከኣ ብመሰረት ዝተወሰነ ቀመር፡ ወከልተን ናብ ዓለም ለኻዊ ባይቶ ይልእካ። ኣብዚ እዋን እዚ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ኣብ ዓለም ለኻዊ ባይቶ በዚ ዝስዕብ ቀመር ተወኪላ ትርከብ። 3+((n-3) )/3, n ንብዝሒ ተሳተፍቲ ከተማታት ኣብ ሓንቲ ሃገር ዝውስን ኢዩ። እዚ ማለት፡ ኣብ ነፍስ-ወከፍ ሃገር ዝርከባ ቀዳሞት 3 ከተማታት 3 መናብር ይወስዳ። ቀጺለን ዘለዋ ከተማታት ካኣ ሓንቲ መንበር ን 3 ከተማታት ወይ ከኣ በዚ ቀመር 3+((n-3) )/3 ተወሲዱ ኣብ ዓለም ለኻዊ ይኣክል ባይቶ ይውከላ። ንኣብነት ሓንቲ ሃገር 10 ከተማታት ኣለዋ ንበል።
3+((10-3) )/3 = 3 + 7/3 = 3 + 2.3 = 3 + 3 = 6 መናብር ይህልዋ ማለት ኢዩ።

ኣባላት ዓለም ለኻዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ባይቶ ክንደይ ኢዮም፧ ክንደይ ሃገራትን፡ በዓል መንን’ከ ኣለዋ፧

ኣብዚ እዋን እዚ ኣባላት ዓለም ለኻዊ ባይቶ 63 ኢዮም። እዞም ኣባላት እዚኣቶም ካብ 11 ሃገራት ዝተወከሉ ኢዮም። ክሳብ ሕጂ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ዓዲ እንግሊዝ፡ ስዊደን፡ ጀርመን፡ ፈረንሳ፡ ዓዲ ጥልያን፡ ደንማርክ፡ ስዊዘርላንድ፡ ካናዳ፡ ኣውስትራልያን ደቡብ ኣፍሪቃን ተወኪለን ኣለዋ።

ራኢ እዚ ምንቅስቓስ እንታይ ኢዩ፧

ኣብ ኤርትራ ቅዋምን ግዝኣተ-ሕግን መሰረት ዝገበረ ህዝባዊ መንግስቲ ምትካልን፡ ማሕበራዊ ፍትሒ ዝነግሰላ፡ ሓድነት ህዝባ ዝዓቀበት፡ ናጻን ልኡላዊትን ሃገረ-ኤርትራ ምህላው ኢዩ።

ዕላማ እዚ ምንቅስቓስ እንታይ ኢዩ፧

  • ህዝቢ ኣብዚ ምንቅስቓስ ብምዕሳል ንለውጢ ቅሩብ ምግባር።
  • ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ካብ ሱሩ ምሒኻ ምእላይ።
  • ሕቶ ሰብኣዊ መሰላት ከም ምጽሓፍ፡ ብናጽነት ምንቅስቓስ፡ ናጽነት እምነታት፡ ማዕርነት ጾታን ቋንቋን ባህልን ክኽበር ምጽዓር።
  • ጀጋኑ ስንኩላትናን፡ ስድራ ሓርበኛታት ስውኣትናን ጉዳዮም ብቅጽበት ዳግም ክረአን ክምርመርን ዝግቦኦም ዓስብን ደገፍን ክረኽቡ ምቅላስ።
  • ንልኡላውነት ሃገርን ሓድነት ህዝባን ዝከኣል ዋጋ ምኽፋል።
  • ግዝኣተ ሕጊ ዘኽብርን ብቕዋም ዝግዛእን፡ ነጻ ብዝኾኑ ሓጋግን፡ ፈጻምን፡ ፈራድን ኣካላት ዝቖመ ህዝባዊ መንግስቲ ምምስራት።

ይኣክል፡ ንዕላማታቱ ንምዕዋት ዝጥቀመሎም ስትራጂ እንታይ ኢዮም፧

ዓለም-ለኻዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ንዕላማታቱ ንምዕዋት ሰለስተ መድረኻት ከም ዘለውዎ ይኣምን። እቲ ቀዳማይ መድረኽ ንኹሉ ህዝቢ ኣብ ጎኒ እዚ ምንቅስቓስ ኣሰሊፍካ፡ ኣብዚ ዝግበር ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ ተሳታፊ ምግባር ኢዩ። ንሃገራዊ ረብሓ ብምቕዳም ህዝቢ ምልዕዓልን ሓድነቱ ምትራርን። ብምልካዊ ስርዓት ዝዐነዉን ዘይተሃንጹን ትካላትና ናብ ንቡር ንምምላስ ኣብ መጻኢ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ፡ ህዝቢ ብኹሉ ሸነኽ ምእንቲ ክሳተፍ፡ ንዕኡ ዝበቅዕ ምድላዋት ምግባር።
እቲ ካልኣይ መድረኽ፡ ምስ ኩሉ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንኽመጽእ ዝዓይን ዝምነን ብምሽራኽ፡ ኣብ ኤርትራ ቅልጡፍ ለውጢ ንኽመጽእ ምጽዓር። ምስ ኤርትራውያንን ዘይኤርትራውያን ደገፍቲ ቃልስናን ብምትሕብባር ምልካዊ ስርዓት ካብ ኤርትራ ምሒኻ ምእላይ።
እቲ ሳልሳይ መድረኽ፡ ኣብ ኤርትራ ውሑስ ለውጢ ንኽመጽእ ናይ ሓላዊ ተራ ምጽዋት። ኩሎም ኣብዚ ለውጢ ክሳተፉ ዝደልዩ ውድባትን ሰልፍታትን፡ ውሕስነት ዲሞክራስያዊ ምስግጋር ስልጣን ዘረጋግጽ መሰጋገሪ መንግስቲ ኣብ ምቛም እጃም ምብርካት።

ቀንዲ መትከላት ምንቅስቓስ ይኣክል ኣየኖት ኢዮም፧

ምንቅስቓስ ይኣክል ሰለስተ ዘይነጻጸሉ መትከላት ኣለውዎ። ንሳቶም ከኣ ህዝባውነት፡ ጽምዶ፡ ሓደ ጸላኢ ተባሂሎም ይጽውዑ።

ህዝባውነት – ህዝባውነት ማለት፡ ናይ ህዝቢ ወይ ህዝቢ ዝሳተፎ፡ ዝዓሰሎ ወይ ዝውንንኖ ማለት ተባሂሉ ክግለጽ ይከኣል። ህዝባዊ ቃልሲ ናይ ህዝቢ ተሳትፎ ዝሓትት፡ ናይ ህዝቢ ድልየታት ኣማእኪሉ ዝካየድ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣበርክትኡ ንኸወፊ ዕድል ዝኸፍትን፡ ሓላፍነት ዘሰክምን እዩ። ህዝባውነት ዘለዎ ቃልሲ ዝበሃል፡ ኩሉ መራሒ ይኸውን፡ ኩሉ ማዕረ እጃም ይህልዎ፡ ኩሉ ብማዕረ የበርክት ማለት ኣይኮነን። ኩሉ ብዝኽእሎን ብዝደልዮን ንኸበርክት ምእንቲ፡ ዝኾነ ማሕለኻ ከይህሉ ዝፍትሽ፡ ተሳታፍነት ናይ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ወይ ጉጅለ፡ ሕብረተ-ሰብ ንኽድንፍዕ ዝጉስጉስ፡ ዘተባብዕን ዘንቅሕን መስርሕ ቃልሲ እዩ። ህዝባዊ ቃልሲ ንናይ ሓባር ህዝባዊ ረብሓ ዝደቁስ ከይድታት ይኹንን፡ ይእርምን፡ ናብ መስመር ይመልስን። ንምረት፡ ሕሰም፡ ዓመጽ ዜጋታት ንምቅራፍ፡ ዜጋታት ብዘስምዕዎ ኣውያት ዝጅምር እዩ። ናይ ውልቀ ዜጋታት እኩብ ኣውያት ምርኩስ ዝገበረ፡ ናይ ህዝቢ ኣውያት ንምፍዋስ ዝካየድ ቃልሲ፡ ብናይ ውልቀ ዜጋታት ምትእኽኻብ ዝትከል ህዝባዊ ቃልሲ እዩ።

ጽምዶ – ጽምዶ ኣብተን መሰረት ህዝቢ ጌረን ዝምስረታ ህዝባውያን ምንቅስቓሳት ኣገዳስን እቲ እንኮ ሕመረትን መሪሕ ኣገባብ እምነ-መሰረት እዩ። ዓለም-ለኻዊ ባይቶ ይኣክል ምስ ኩሎም ዲሞክራስያውያንን ፍትሓውያንን ናይ ፖለቲካ ሰልፍታት ይኹና በርጌሳውያን ማሕበራት፡ እቲ ዘውጽአኦን ዝሰርሓሉን ዕላማታት ንኤርትራ ከም ሃገርን ንህዝባን ቀዳምነት ዝሰርዕ ክሳብ ዝኾነ፡ ጽምዶ ብምፍጣር ንክሰርሕ ከም ሕመረት መትከል ሰሪዑ ተበጊሱ፡ ኣብ ምዕዋቱ ከኣ ይነጥፍ ኣሎ። ሓደ ካብ’ቲ ኣወንታዊ ብልጫታት ዓለም ለኻዊ ይኣክል፡ ተሳታፍነት ኩሉ ኤርትራዊ ምርግጋጽ እዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ህዝቢ ኤርትራ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ኣንጻር ዓመጽን ጥልመትን ብተናጸል ክዕወት ከምዘይክእል ካብ ሕሉፍ ታሪኽ ተማሂሩ ስለዝኾነ፡ ነቲ በብሃገሩ ይኣክል ኢሉ ባይቶታቱ ተኺሉ ዘሎ ተቓላሳይ ንፍትሒ፡ ዓቕሚ ሰቡን ንዋቱን ኣወሃሂዱ፡ ብዝሰፍሐን ዝሓየለን ዓቕሙ፡ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ንኽቃለስ፡ ብዓለም-ለኸ ደረጃ ክጥርነፍ ኣገዳሲ ኮይኑ ይረኽቦ። ዓለምለኻዊ ይኣክል ዝዛመዶም ሓይልታት ንሃገራዊ ዕላማ ዝቃለሱ፡ ስልጣን ናይ ህዝቢ ምዃኑ ዝኣምኑን፡ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካል ዝቃለሱን ኤርትራውያን ሓይልታትን ደገፍትን ክኾኑ ክምዝግባእ ከም ርዱእ ክውሰድ ይከኣል።

ኣተኩሮ ኣብ ሓደ ጸላኢ – ኣብ ቃልሲ፡ ምስ መትከላትን ዕላማታትን ብምስናይ ኣተኩሮ ምቅናዕን ምንጻርን ኣገዳሲ’ዩ። ቀንዲ ጸላኢ ዘየነጸረ ቃልሲ ምስልሳል ውጽኢት ኣይርከቦን ጥራሕ ዘይኮነስ ንዝበኣሰ ሽግራትን ሓደጋታትን ዘቃልዕ ኢዩ። ኣብ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ስርዓት ዘተኣታተዎም ዘይዲሞክራስያውያን እምነታት፡ ኣተሓሳስባታትን ተግባራትን ብፍላይ ድማ ኩሉ ዝተፈጸሞን ዝገብሮ ዘሎ ደረት ኣልቦ ዕንደራን ግፍዕታትን ምስክርነት ዘየድልዮ ሓቂ’ዩ። ስለዝኾነ ድማ ጠንቒ ስደት፡ ሓድሕድ ምትፍናን፡ ዘይምትእምማንን፡ ኩሉ መዳያዊ ድሕረትን፡ ምዃኑ ብምእማን፡ ኣንጻሩ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ከም ቀንዲ ጸላኢ ህዝብን ሃገርን ክረኣይን፡ ንምውዳቑ ብኹለንትናዊ መዳያት ክስርሓሉ ዝጉስጉስ መትከል ኢዩ።

ቅርጺ ዓለም ለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል እንታይ ይመስል፧

ዓለም ለኻዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ካብ ኩለን ኣባል ሃገራት ዝተወከሉ 63 ኣባላት ኣለውዎ። 63 ኣባላት ከኣ ኣባላት ባይቶ ኢዮም። ካብዞም 63 ኣባላት 13 ኣባላት ፈጸምቲ ኣካላት ኢዮም።
ፈጻሚ ኣካል በዞም ዝስዕቡ ይቐውም።

  • ኣቦ መንበር
  • ምክትል ኣቦ መንበር
  • ጸሓፊ
  • ምክትል ጸሓፊ
  • ኣፈኛ ባይቶን
  • 8 ሓለፍቲ ክፍልታትን ይቐውም።

ፈጻሚ ኣካል ብኣባላት ባይቶ ኣብ ባይቶኣዊ ጉባኤ ይምረጽ።

ክፍልታት ዓለምለኻዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል መነመን ይብሃላ፧ እንታይ ስራሕ’ከ ኣለወን፧

  1. ክፍሊ ባይታኣዊ ርክባት (Ground Connection)
    እዚ ክፍሊ እዚ ነቲ ኣብ ከባቢ ኤርትራ ዘሎ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ጸጥታውን ምዕባለታት ዝከታተል ክፍሊ ኢዩ። ምስ ግዜ እንዳተጓዕዘ ከኣ፡ ነዚ ምንቅስቓስ ይጸልዉ ኢዮም ካብ ዝበሃሉ ኣወንታውን ኣሉታውን ሓበሬታታት ብምእካብ፡ እዚ ምንቅስቓስ ምስ ኣብ ኤርትራን ከባቢ ኤርትራን ዘለዉ ባእታታት ርክባት ብምፍጣር ለውጢ ንምቅልጣፍ ዝሰርሕ ክፍሊ ኢዩ።
  2. ክፍሊ ጽምዶ (Engagement)
    እዚ ክፍሊ እዚ ነቲ ጽምዶ ዝበሃል መትከል ብምስዓብ፡ ምስ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ርክባት ብምፍጣር ንናይ ሓባር ዕላማ ብሓባር ንምስራሕ ዝከታተልን ዝሰርሕን ኢዩ። ክፍሊ ጽምዶ ንመሰረታዊ ዕላማታት ይኣክል ብምስዓብ፡ ምስ ናቱ መትከላት ምስ ዝሰማምዑ ውልቀ ሰባት ይኹኑ ውድባት ብሓባር ንምስራሕ ዝጉስጉስን፡ ኣብ ውሑስ ጽምዶ ንምብጻሕ ቀጻሊ ርክባት ዝገብርን ኢዩ።
  3. ክፍሊ ፖለቲካዊ ጉዳያትን ስትራተጂካዊ ውጥንን (Political Affaires & Strategic Planning)
    እዚ ክፍሊ እዚ ማእዝን ይኣክል ንምቕናዕን ንዕላማታቱ ንምትግባር ዝሕግዙ ንድፊ ዕዮ ኣብ ምንዳፍን ምስ ኩሎም ዓቅሚ ዘለዎም ኤርትራውያን እንዳተሓባበረ ዝሰርሕ ክፍሊ ኢዩ። ምስ ግዜ ክኸዱ ዝኽእሉ መርሓ ሕንጻጻት እንዳሰኣለ፡ ንካልኦት ክፍልታት ዝምግብ ቀንዲ ቀላሲ ናይዚ ምንቅስቓስ ኢዩ። እዚ ክፍሊ እዚ፡ ምስ ክፍሊ ዜናን ሓበሬታን ብምውህሃድ ህዝቢ ኣብ ነንበይኑ እዋናት ክፈልጦምን ክዳለወሎምን ዘለዎም ኣገደስቲ ጉዳያት ይሕንጽጽ።
  4. ክፍሊ ውደባን ጎስጓስን (Mobilisation)
    እዚ ክፍሊ እዚ ኣብዚ ቀዳማይ መድረኽ ዓቢ ስራሕ ዘለዎ ክፍሊ ኢዩ። ህዝቢ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ምዃን ጥራይ ዘይኮነ፡ ተወዲቡ ኣድማዒ ስራሕ ንኽሰርሕ ዝጽዕት ክፍሊ ኢዩ። ኣብ ሃገራትን ከተማታትን ወሪዱ ከኣ ህዝቢ ኣብ ኩሉ መዳይ ናይዚ ቃልሲ ንኽሳተፍ ዝሰርሕ ክፍሊ ኢዩ። እዚ ክፍሊ እዚ ምስቶም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ከተማ ዘለዉ ናይ ጎስጓስ ኣለይቲ ብምምሕዛው፡ ተሳታፍነት ናይ ኩሉ ኣባል ሕበረተሰብ ዘረጋግጽ ክፍሊ ኢዩ። 
  5. ክፍሊ ገንዘብ (Finance)
    ኣብ’ዚ ኣንጻር ምልኪ ዝግበር ዘሎ ኩሉ እንተናዊ ምንቅስቓስ፡ ተራ ገንዘብ ወሳኒ ኢዩ። ኩሉ ዝድለ ስርሓት ንኽዕመም ድማ ገንዘባዊ ደገፍ የድሊ። እዚ ክፍሊ እዚ እምበኣር ይኣክል ገነባዊ ዓቕሙ ንምዕባይ ዝሰርሕ ክፍሊ ኢዩ። ምስ ክፍሊ ጎስጓስ ብምዃን ከኣ ህዝቢ ነዚ ምንቅስቓስ ብዘለዎ ዓቕሚ ንኸበርክት ጎስጓስን ጻዕርን ዝገብር ክፍሊ ኢዩ። ገንዘብ ምእካብ ጥራይ ዘይኮነ፡ ተሓታትነት ብዘለዎ መንገዲ፡ ይምዝግብን ይቆጻጸርን ምስ ባይቶ ብምዝታይ ድማ ባጀት ይስልዕ።
  6. ክፍሊ ዜናን ሓበሬታን (Media)
    እዚ ክፍሊ እዚ ኣብ ረድዮ፡ ተለቭዥን፡ ማሕበራዊ መድያን መርበብ ሓበሬታን ይነጥፍ። ብይኣክል ዝወጹ ሓተታታት፡ እዋናዊ ሓበሬታ፡ ብኣካየድቲ ይኣክል ዝግበሩ ቃለ መሕትታትን ኣገደስቲ መግለጺታትን የዳሉን   የቕርብን። ብህዝቢ ንዝመጽእ ሕቶታትን ርኢቶታትን የአንግድ። እዚ ክፍሊ እዚ መዓልታዊ ኣብ ስራሕ ዝተጸምደ ክፍሊ ኢዩ። ካብ ኩሎም ካልኦት ክፍልታት ከኣ ሓበሬታ ይምገብ። 
  7. ክፍሊ ዲፕሎማሲ (Diplomacy)
    እዚ ክፍሊ እዚ ምስ ኩሎም መንግስታውያንን ዘይመንግስታውያንን ትካላትን ማሕበራትን ዝሰርሕ ክፍሊ ኮይኑ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ናይ ህዝቢ ስቓይ ማሕበረ ሰብ ዓለም ንኽፈልጥ ዝዓዪ ክፍሊ ኢዩ። ኣብ ኤርትራን ኢርትራውያንን ዘሎ ፖለቲካውን ማሕበራውን ጸገማት፡ ናይ ዓለም ትካላት ንኽፈልጠኦን ኣንጻር ውልቀ ምልካዊ ስርዓት ጠጠው ንኽብላን ዝደፍእ ክፍሊ ኢዩ። ኣብ በበይኑ እዋን መግለጽን ጥርዓንን እንዳኣቕረበ ከኣ ንምንቅስቓስ ይኣክል ኣብ ዓለም ተፈላጥነት ንኽህልዎ ይሰርሕ።
  8. ክፍሊ ዕርቅን ዘተን (Reconciliation & Dialogue)
    እዚ ክፍሊ እዚ ነቲ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ለውጢ ክመጽእ ዝድለ ዘሎ ሃገራዊ ዕርቂ፡ ኣብ ኤርትራውያን ኣፍልጦን መረዳእታን ንኽሓድር ዝጽዕት ክፍሊ ኢዩ። ኣብ መጽናዕትን ተመክሮ ካልኦት ሃገራትን ምርኩስ ብምግባር ኣብ ኤርትራ ንዝፍጠር ናይ ዕርቂ መስርሕ ልሙጽ ንክኸውን ምድላዋት ንምግባር ዝተመስረተ ክፍሊ ኢዩ። ኣብዚ እዋን እዚ፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ንዝግበር ግዝያዊ ባእሲ ይሽምግልን ይኣክል ብዕግበት ንክኸይድ ከኣ ይጽዕርን። 

ይኣክል፡ ብዛዕባ ኣብ 1997 ዝጸደቐ ሃገራዊ ቅዋም እንታይ መርገጺ ኣለዎ፧

ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣክል፡ ነቲ ኣብ 1997፡ ብ150 ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ዝጸደቐ ሃገራዊ ቅዋም ሓደ ካብ ሰነዳት ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ይኣምን። ድሕሪ ምጽዳቑ ኣብ ግብሪ ዘይወዓለ ቅዋም ምዃኑ ከኣ ወሲኹ ይኣምን። ብዛዕባ ሕጋውነትን ዘይሕጋውነትን ናይዚ ቅዋም ብዝምልከት፡ ይኣክል፡ ኣብዚ እዋን እዚ መርገጺ ዝወስደሉ ግዜ ከምዘይኮነ ከኣ የስምር። “እዚ ቅዋም እዚ ክእረም ዝግበኦ ዓንቀጽ ኣለዎ” ዝብል ይኹን “ሕጋዊ ኣይኮነን” ዝብል ዝኾነ ይኹን ባእታ መሰሉ ምዃኑን፡ ኣብ መሰጋገሪ እዋን ዝፍታሕ ምዃኑን ከኣ ደጊሙ ይኣምን። ይኹን እምበር፡ እዚ ቅዋም እዚ ብዙሕ ጸዓትን ገንዘብን ዝፈሰሶ ጥራይ ዘይኮነ፡ ምስ ኩሎም እቶም ኣብ ዓለም ቅድሚኡ ዝተጻሕፉ ቅዋማት፡ ኣብቲ ሓፈሻዊ ሰብኣዊ መትከላት ፍልልይ ስለ ዘይብሉን፡ መበገሲ ናይቲ ድሕሪ ምውዳቕ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ክኸውን ከምዝኽእል ይኣክል ጽኑዕ እምነት ኣለዎ።

ይኣክል፡ ብዛዕባ ኣብዚ እዋን እዚ ንኤርትራ ወኪሎም ዝቐርቡ ኤርትራዊ ምልክታታት (SYMBOLS)፡ ከም ባንዴራ፡ ሃገራዊ መዝሙር፡ ዘይሃይማኖታውያን ሃገራዊ በዓላት ብኸመይ ይሪኦም፧

ኤርትራ፡ ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ፡ ኣብ 1991 ብደቃ ካብ ባዕዲ ነጻ ዝወጸት ሃገር ምዃና ይኣምንን ናጽነታ ዓቂባ ንኽትጓዓዝ ከኣ ይሰርሕን። እቲ ኣብ 1991 ንኣስመራ ዝኣተወ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ስልጣን ናብ ህዝቢ ዝርከበሉ መንገዲ ክፈጥር ይግበኦ ከም ዝነበረ ከኣ ይኣክል ይኣምን። ይኹን እምበር፡ ኣብ ኤርትራ፡ ብህዝባዊ ግንባር ዝተዓብለለ መንግስቲ ምቛሙ ኣይክሕድን። ኩሉ እቲ፡ ኣብ ኤርትራ ዝተገብረ ፖለቲካዊ ውሳኔታት ከኣ በቲ ብህዝባዊ ግንባር ዝተዓብለለ መንግስቲ ኢዩ ተፈጺሙ። ስለዚ፡ ይኣክል ነታ ኣብ ሕቡራት ሓገራት ተተኺላ ዘላ ባንዴራ ከም ሕጋዊት ባንዴራ ይሪኣ። ነታ ኤርትር ኤርትራ እትብል ሃገራዊት መዝሙር ከም ሃገራዊት መዝሙር ይሪኣ። ኩሎም ዘይሃይማኖታውያን ሃገራውያን በዓላት (ሓደ መስከረም፡ 24 ግንቦት፡ 20 ሰነ) ከኣ ከም ሕጋውያን ሃገራውያን በዓላት ይሪኦም ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ንዓታቶም ንምዝካር የብዕሎም። ነዞም ምልክታታት ይኹኑ በዓላት ናይ ምቕያር ይኹን ናይ ምስራዝ ሓላፍነት፡ ናይቲ ብሃገራዊ ቅዋም ዘመሓድር ሃገራዊ ባይቶ ምዃኑ ይኣምን። ኣብዚ እዋን እዚ ናታቶም ግዙእ ኮይኑ ከይከይድ ግን ብግብሪ ይሰርሕ።

ይኣክል፡ ንሃገራውያን ፖለቲካውያን ውድባት ብኸመይ ይሪአን፧ ምስኣተን ዝገብሮ ርክባት’ከ ኣሎ’ዶ፧    

ይኣክል ንኹለን ሃገራውያን ውድባት ከም መሻርኽቱ እምበር ከም ጸላእቲ ኣይርእየንን ኢዩ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ ከም ኣባላቱ ኢዩ ዝሪአን። ብዙሓት ኣባላት ካልኦት ፖለቲካውያን ውድባት፡ ኣባላት ይኣክል ኢዮም። ይኣክል ከም መቃለሲ ባይታ ዝቖመ፡ ዓቕምኻ ኣበርክቶ ክትገብረሉ እትኽእል ናይ ህዝቢ ትካል ኢዩ። ይኣክል ንፖለቲካውያን ውድባት ይኹና ሰልፍታት ምስ ይኣክል ዝሰማማዕ መትከልን ዕላማን ክሳብ ዝሃለወን ምስአን ብጽምዶ ንምስራሕ ድሉው ኢዩ። ኣብ ሓደን እንኮን ጸላኢ ዝቐነዐ ኣበርክቶ ክሳብ ዝገበራ ከኣ፡ ከም መኽሰብ እምበር ከም ክሳራ ክረኣያ ኣይግባእን ዝብል ጽኑዕ እምነት ኣለዎ። ስለዚ ኣብተን ሰለስተ መትከላቱ ተመርኲሱ ምስ ኩለን ዝምድና ክገብር ዝዓግቶ ዝኾነ ይኹን ሕጊ የለን።
ይኣክል ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ ጽምዶ ዝብል መትከል ሒዙ ኢዩ ተበጊሱ – ጽምዶ ምስ ኩሉ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ዝዓዪ ባእታ – በቲ ናይ ጽምዶ ትካሉ (ክፍሉ)ጌሩ ከኣ ምስ ኩለን ውድባትን ሰልፍታትን ክራኸብ ካብ ዝጅምር ዳርጋ ካብዚ ምስራት ኣትሒዙ ኢዩ። ስለዚ እቲ መልሲ እወ ኢዩ። ኣብ መጻኢ ናብ ሓደ ሃገራዊ ጽላል ክምዕብል ከኣ ለይትን መዓልትን ይጽዕር።

ይኣክል፡ ምስ ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ከኣ ምስ ምክልኻል ሰራዊት ትግራይ ክሰርሕ ይደሊ’ዶ፧   

ሓጺር መልሲ እወ ኢዩ። ይኣክል፡ ኣብዚ እዋን እዚ፡ ህዝቢ ትግራይን ሰራዊት ትግራይን ነቲ ኣብ ልዕሌኦም ዝወረደ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ምክልኻል ከም ዘለዉ ይኣምን። ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ውግእ፡ ውግእ ሓድሕድ ኢትዮጵያ ምዃኑ ከኣ ብወግዒ ይኣምን። ይኹን እምበር፡ ኣብ ውግእ ሓድሕድ ኢትዮጵያ ናይ ኤርትራ መንግስቲ ኢድ ከም ዝሓወሰን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ግፍዕታት ከም ዘውረደን ብዓለምን ህዝቢ ትግራይን ይምስከር ኣሎ። እቲ ቀንዲ ዕላማ ይኣክል ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምልካውን ዓንዳርን ጉጅለ ካብ ስልጣን ኣሊኻ ኣብ ቦትኡ ምስ ጎረባብቲ ዘይናኸስ ህዝባዊ መንግስቲ ምትካል ኢዩ። ስለዚ፡ ምስ ኩሉ ኣንጻር እዚ ምልካዊ ስርዓት ጠጠው ዝበለ ወገን ይኣክል ደጋፊኡ ጥራይ ዘይኮነ ምስኡ ክሰርሕ እውን ድሉው ኢዩ።
ታሪኻዊ ጉዕዞና ከም ዝሕብሮ፡ ህዝቢ ትግራይ ይኹን ወያነ ትግራይ፡ ቅድሚ ዝኾነ ይኹን ኣህጉራዊ ሓይሊ ብናጽነት ኤርትራ ዝኣመነ ህዝብን ውድብን ኢዩ። ክሳብ ዕለተ ሎሚ ከኣ፡ ብወግዒ፡ ካብ መንግስቲ ትግራይ ይኹን ህዝቢ ትግራይ ዝተቐየረ መርገጺ የለን። ብኣንጻሩ፡ ካብቶም ምስ ኢሳያስ ተሻሪኾም ዘለዉ፡ ወግሐ ጸብሐ ንልኡላውነት ሃገርና ዝፈታትን ቃላት ይስማዕ ኢዩ። ስለዚ፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ውድቀት ናይቶም ልኡላውነታ ዝደፍሩ ጸላእትና እምበር ናይቶም ኣብ ግዜ ጸገምና ዝደገፉና ክንከውን ይኣክል ትጽቢት የብሉን። እዚ ነቲ ውሁብ ናይ መሬትን ደምን ጉርብትና ኣብ ግምት ከየእተኻ ኢዩ።
ይኣክል፡ ዋላኳ መቐጸልታ ናይቲ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ኣስመራ ዝተኻየደን ዝካየድ ዘሎን ነዊሕ ቃልሲ እንተኾነ፡ ንይኣክል ክብገስ ካብ ዝገበሩ ተርእዮታት ሓደ ግን፡ እቲ ንልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ውልቃውን ውሽጣውን ውዕል ኣብይን ኢሳያስን ኢዩ። ፍሽለት ውሽጣዊ ውዕል ኢሳያስን ኣብይን ካብ ዝደረኹ ረቛሒታት ሓደ ከኣ “ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ኢዩ” ዝብል ናይ ሓባር እምነት ኣለዎ። ኣብዚ እዋን እዚ እምበኣር፡ ከም ትማሊ፡ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ስትራተጂካዊ መሓዛ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነሉ ምኽንያት የለን። ህዝቢ ትግራይ ኣንጻር እቲ ሓደ ጸላኢ እንብሎ ዝምክት ዘሎ ህዝቢ ኢዩ። ስለዚ ምስ ህዝቢ ትግራይ ይኹን ሰራዊት ትግራይ ሓቢርካ ምስራሕ ካብ ጉድኣቱ ጥቕሙ ይመዝን ዝብል ጽኑዕ እምነት ኢዩ ዘለዎ።

ይኣክል፡ ምስ ህዝቢ ሱዳን ብፍላይ ከኣ ምስ መንግስቲ ሱዳን ክሰርሕ ይደሊ’ዶ፧   

ሓጺር መልሲ እወ ኢዩ። ህዝቢ ሱዳን ልክዕ ከም ኩለን ጎረባብቲ ሃገርና ዝኾኑ ህዝብታት ብሰላም ክነብር ዝደሊ ህዝቢ ኢዩ። ኣብ ብዙሕ እዋናት፡ ብፍላይ ከኣ ኣብቲ ናይ 30 ዓመታት ናይ ዕጥቂ ቃልሲ፡ ንህዝቢ ኤርትራን ቃልሱን ዝሓገዘ ህዝቢ ኢዩ። ናጽነት ኤርትራ ኣብ ምእማን እውን ሓንቲ ካብተን ቀዳሞት ንናጽነት ኤርትራ ዝኣመና ሃገራት ኢያ። ሕጂውን ኣብዚ ኣንጻር ምልኪ እነካይዶ ዘለና ቃልሲ፡ መንግስቲ ሱዳንን ህዝቢ ሱዳንን ክድግፉናን ክሕግዙናን ንምነን ንሰርሕን። መንግስቲ ሱዳን፡ ልክዕ ከም ህዝቢ ኤርትራን ጎረባብቲ ሃገራትን በቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዓንዳሪ ስርዓት ብዙሕ ግዜ ተሳቕዩ ኢዩ። ስለዚ ምጥፋእ ናይዚ ዓንዳሪ ስርዓት፡ ምስ ሱዳን ክህሉ ዝግበኦ ጽቡቕ ጉርብትና ኣብ ምፍጣር ሓጋዚ ኢዩ። 

ይኣክል፡ ምስ ህዝቢ ጁቡቲ ብፍላይ ከኣ ምስ መንግስቲ ጁቡቲ ክሰርሕ ይደሊ’ዶ፧   

ሓጺር መልሲ እወ ኢዩ። ህዝቢ ጅቡቲ ልክዕ ከም ኩለን ጎረባብቲ ሃገርና ዝኾኑ ህዝብታት ብሰላም ክነብር ዝደሊ ህዝቢ ኢዩ። ኣብ ብዙሕ እዋናት ከኣ፡ ኤርትራ ንልኡላውነት ጅቡቲ ብምድፋራ ትኽሰስ ኢያ። ጅቡቲ፡ ልክዕ ከም ይኣክል ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ተሪር ዝኾነ መርገጺ ኣለዋ። ስለዚ መሓዛ ይኣክል ዘይትኾነሉ መንገዲ የለን። ኣብዚ ይኣክል ዝገብሮ ዘሎ ቃልሲ ከተበርክቶ እትኽእል ሓገዝ እንተደኣ ሃልዩ ከኣ ምስኣ ኮይኑ ዘይሰርሓሉ ምኽንያት የለን።

ይኣክል፡ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክሰርሕ ይደሊ’ዶ፧   

ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ልክዕ ከም ኩለን ጎረባብቲ ሃገርና ዝኾኑ ህዝብታትን ዓለምን ብሰላም ክነብር ዝደሊ ህዝቢ ኢዩ። ስለዚ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክህልወና ዝግበኦ ዝምድናታት ከም ምስ ኩሉ ጎረባብቲ ህዝቢ ክህልወና ዝግበኦ ዝምድና ምዃኑ ይኣክል ኣጽኒዑ ይኣምን። ይኹን እምበር፡ ኣብዚ እዋን እዚ ንልኡላውነት ኤርትራ ዝፈታትን ውዕላት ኣብ መንጎ እቲ ጸላኢ እንብሎ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ናይ ውልቀ-ሰብ ስርዓትን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብቐጻሊ ይግበር ኣሎ። ስለዚ፡ ኣብዚ እዋን እዚ፡ ክሳብ መርገጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘይተቐየረ ምስኡ ክስራሕ ዝከኣል ኣይኮነን።

ብዘይካ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ይኣክል ከም ጸላእቲ ዝርእዮም ኣካላት ኣለዉዶ፧

ይኣክል፡ ንኹሎም ምስ ዕላማታት ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ወጊኖም፡ ንዋታውን ሞራላውን ሓገዝ ዘበርክቱ፡ ደገፎም ጠጠው ከብሉ፡ እንተኺኢሎም ከኣ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ጠጠው ኢሎም ዕድመ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ምሕጻር እጃሞም ከበርክቱ ይምሕጸንን ይመክርን። እንተዘይኮነ፡ ንዓታትም ከም ጸላኢ ቆጺሩ፡ ካብቲ ቀንዲ ዕላምኡ ኣይወጽእን ኢዩ። ምኽንያቱ እቲ ጠንቂ ዕንወትን ብርሰትን ኤርትራን ህዝባን፡ እቲ ኣብ ኣስመራ ዓስኪሩ ዘሎ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ጥራሕ ኢዩ። ስለዚ፡ ይኣክል ኩሉ ዘለዎ ዓቕሚ ኣንጻር እቲ ሓደን ንጹርን ጸላኢ ጥራይ ኢዩ ከቕንዖ ዝደሊ።

ይኣክል፡ ዝኽተሎም ዘሎ መትከላት፡ ስትራተጂን ቅርጽን ቀወምቲ ድዮም፧ ወይ ምስ ግዜ ዝቅየሩ ኢዮም፧

ይኣክል፡ ማሕበራውን ፖለቲካውን ምንቅስቓስ ኢዩ። ስለዚ ምስ ግዜ ዝቕየሩ ምዕባለታት፡ ንዕኡ እውን ክቕይርዎ ከም ዝኽእሉ ንቡር ኢዩ። ስለዚ ይኣክል፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ መሳርዑ ዘመዓራሪ፡ (Adaptable)ምስ ግዜ ዝቕልቀሉ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ገምጊሙ ምስ ግዜ ዝጓዓዝ ትካል እምበር በቲ ዝጀመሮ ዝቕጽል ደረቕ ትካል ኣይኮነን። ይኹን እምበር፡ ሓደን ዘይቅየርን ዕላማን ተልእኾን ግን ኣለዎ – ኣብ ኤርትራ ዘሎ ውልቀ-ምልካዊ ምሕደራ ኣሊኻ ኣብ ቦትኡ ንህዝቢ ዘገልግል ህዝባውን ዲሞክራስያውን ስርዓት ምትካል።   

0 0 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments
0
Would love your thoughts, please comment.x
()
x