Thursday , August 5 2021

Our Mission

ራእይና

ነዚ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ዘሎ ምልካዊ ሰርዓት ህግደፍ ኣሊኻ፡ ብህዝብን ናይ ህዝብን ንህዝብን ዝቖመ መንግስቲ እትማሓደር፣ ብልጹግ ቁጠባ፡ ራህዋን ሲኒትን ዝዓሰሎ ዉሁድ ማሕበረሰብ ዝራጋገጸሉ ስርዓት ንምፍጣር ኢዩ። ብተወሳኺ፡ ዉሑስ ሰላምን ርግኣትን ዝሰፈና ሃገር ብምርግጋጽ ምስ ጎራባብቲ ሃገራት ኣብ ሓባራዊ ረብሓን ሰናይ ጉርብትናን ዝተመስረተ ርክብ ምምስራት ኢዩ።

ዕላማና

1. ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ካብ ሱሩ ምሒኻ ምእላይ። 

2. ማሕበራዊ ፍትሒ ዝሰረታ፡ ሓድነት ህዝባ ዝዓቀበት፡ ናጻን ልዑላዊትን ኤርትራ ምህናጽ። 

3. ግዝኣተ ሕጊ ዘኽብርን ብቕዋም ዝግዛእን፡ ነጻ ብዝኾኑ ሓጋግን፡ ፈጻምን፡ ፈራድን ኣካላት ዝቖመ ህዝባዊ መንግስቲ ምምስራት። 

4. ፖለቲካውያን እሱራት ብቅጽበት ክፍትሑ ንጡፍ ድፍኢት ንመንግስትታትን ሕቡራት መንግስታትን ምክያድ። 

5. ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብህጹጽ መዕለቢ ፍታሕ ክግበረሉ ምቅላስ። 

6. ሕቶ ሰብኣዊ መሰላት፡ ምጽሓፍ፡ ምንቅስቓስ፡ ናጽነት እምነታት፡ ማዕርነት ጾታን ቋንቋታትን ክኽበር ምጽዓር።

7. ጀጋኑ ስንኩላትናን፡ ስድራ ሓርበኛታት ስውኣትናን ጉዳዮም ብቅጽበት ዳግም ክረአን ክምርመርን ዝግቦኣም ዓስብን ደገፍን ክረኽቡ ምቅላስ።

ተልእኾና

1. ህ.ም.ኤ ንራእይኡን ዕላምኡን ንምዕዋት፡ ንኣባላቱን ንህዝብን ኣብ መጽናዕትን ፍልጠትን ዝተመርኮሰ፡ ስነሞጎታዊን ኣድማዕን ተቓዉሞን ፖለቲካዊ ባህልን ንምምዕባል ሜላታት ይሕንጽጽ። 

2. ህ.ም.ኤ ለንደን ንኹሎም ኤርትራውያን ሓድነቶም ዓቂቦም ብፍቕሪን ስኒትን፡ ብንቡር ኤሪትራዊ ስነምግባርን ተመሪሖም፡ ተሳትፎኦም ምእንቲ ኦድማዒ ኣበርክቶ ኪህልዎ ምጉስጓስን ምውዳብን ብቐጻሊ ድማ ሕድሕዶም ክማሃሃሩን ክነቓቕሑን ምትብባዕ። 

3. ምስ ካልእ ህዝባውያንን ማሕበራውያንን ተቓለስቲ ብምዉህሃድ ካብ ደረጃ ከተማ፡ ናብ ብደረጃ ዓባይ ብርጣንያ ቀጺሉ እውን ብኦውሮጳ ኣህጉራዊ ደረጃ ብሓባር ናይ ምስራሕ ዝምድናታት ብምፍጣር፡ ቀጺሉ`ዉን ኣብ ትሕቲ ጽላል ኤርትራዊነት ብዓለምለኻዊ ደረጃ ልፍንትታት ኣቋሪንካ ሰፊሕ ናይ ቃልሲ ምኣዲ ምዝርጋሕ። 

4. ነዚ ኣብ ልዑላውነት ሃገርና ኣንጸላልዩ ዘሎ ህጹጽ ሃገራዊ ሓደጋ፡ ብመሰረት ጠለባት ህዝብና፡ ብማሃዚ ኣጋባባትን ስሉጥ መራኸቢታትን ተጠቒምና፡ ዓቕምና ኣሰሲንና ክንቃለስ ምምልላእ።

5. ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ዝቕመጥ ህዝብና ፖለቲካውን ማሕበራውን ንቕሓቱ ክብ ኣብ ምባል ምጽዓርን ኣብ`ቲ ኣንጻር ህግደፍ ዝካየድ ቃልሲ ተሳታፍነቱ ንምዕዛዝ ብዕቱብ ምስራሕን። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ንዝካየድ፡ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ዝዓለመ ቃልሲ፡ ኣብ ኩሉ መዳያ ብዝከኣለና ሓገዝ ምብርካት። 

6. ድሕሪ ምእላይ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ብህዝባዊን ቅዋማውን ስርዓት እትምራሕ ሃገር ኣብ ምህናጽ ጽልዋን ኣበርክቶን ንምግባር።