Saturday , May 15 2021

ብዛዕባና

ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኤርትራዉያን ይኣክል ንምልኪ ዓባይ ብርጣንያ፡ ሕሰም መሪሩዎ ”ይእክል ንምልኪ: ይእክል ንስቅታ፡ ይእክል ንምፍልላይ“ ኢሉ ዝተላዕለ ሕዝቢ፣ ኣኣብ ከተማኡ ተጠርኒፉ ወከልቱ ብምምራጽ ዝጀመረ ህዝባዊ ምንቅስቓስ፣ ካብ ከተማታት ሓሊፉ ብደረጃ ሃገር ዓባይ ብሪጣንያ ጽላል ከቑውም፣ ካብኡ ሓሊፉውን ብደረጃ ኤውሮፓን ብዓለምለኸ ክጥርነፍን ህዝባዊ ወኪል ዝኾኖ ትካል ክገብርን ምስ ኩላቶም ተቓለስቲ ንፍትሒ ዝኾኑ ኣካላት ብምትሕብባር፣ ነዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ዘይሕጋውን ገባትን ስርዓት ኣብ ምእላይ ሕዝቢ ወዲቡ ኩሉ ዝካኣል ክገብር ብህዝቢ ዝተበገሰ ምንቕስቓስ ኢዩ።

ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኤርትራዉያን ይኣክል ንምልኪ ዓባይ ብርጣንያ ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ንዝርከባ ብከተማታት ዝቆማ ናይ ኤርትራውያን ህዝባዊ ምንቅስቓስ ጽላል እዩ። ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ዓባይ ብሪጣንያ ንኹሎም ኣብ ኤርትራ ፍትሓዊ ለውጢ ንምምጻእ ዝቃለሱ ሓይልታት ናይ ቃልሲ ባይታ ፈጢሩን ኣዋሃሂዱን፣ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ንምምጻእ ዝነጥፍ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኢዩ።

ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኤርትራዉያን ይኣክል ንምልኪ ዓባይ ብርጣንያ ካብ ኣውራጃዊ፡ ሃይማኖታዊ፡ ብሄራዊ፡ ውድባውን ዝኣመሰለ ጽልዋን ጸግዕን ከይሓዘት ምስ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዘለዋ ህዝባዊ ምንቅስቃሳት ብምትእስሳር ሓደ ኤርትራዊ ሃገራዊ ጽላል ኣብ ምምስራት ቀዳምነት ሂባ ትዐዪ። እዚ ኤርትራዊ ሃገራዊ ጽላል በብደረጅኡ ዝቀውም ኮይኑ፡ ቅድም ብደረጃ ኤውሮጳ፡ ድሕሪኡ’ውን ብደረጃ ዓለም ዝቐውም ናይ ኤርትራውያን ህዝባዊ ምንቅስቓስ ጽላል ኮይኑ ክዓዪ እዩ። እዚ ብዓለም ዝቆውም ጽላል ምስ ቆመ ድማ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኤርትራዉያን ይኣክል ንምልኪ ዓባይ ብርጣንያ ምስቲ ዓለምለካዊ ጽላል ብሓባር ትሰርሕ።